ቢሮክራሲ
Tigrinya

About The Book

<p> ቢሮክራሲ፡ ገዲም ምስጢራዊ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ እዩ። ትሕዝቶ'ዚ መጽሓፍ ግን ልዕሊ ምግላጽ ቢሮክራሲ ይኸይድ፡ ታሪኽ ቢሮክራሲ ንብዙሕ ናይ ከተማ ቃልሲ ስለዝትንክፍ። ብዛዕባ ቢሮክራሲ ምዝራብ ማለት ዳርጋ ብዛዕባ'ቲ ካብ 1972 ክሳብ 1982 ዝነበረ ናይ ከተማ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ምዝራብ ማለት'ዩ። እኳ ደኣ ናይ ከተማ ቃልሲ ብናይ ሜዳ ቃልሲ ዝጽሎን ዝምራሕን ስለዝነበረ ናይ ሜዳ ቃልሲ'ውን ከይተንከፍካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚ ዕዮ'ዚ ክሕዞ እንከለኹ፡ ብዛዕባ ቢሮክራሲ ይኹን ቃልሲ ከተማ ዝነበረኒ ሓበሬታ ኣዝዩ ድሩት'ዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ህዝባዊ ግንባር ጽጹይ ሓበሬታን መጽናዕትን ረኺቡ ይሰርሕ ምንባሩ በቲ ዘመዝገቦ ዓወታት'ኳ ክግምገም ዝከኣል እንተኾነ፡ ናይ ከተማ ቃልሲ ብኸመይ ይካየድ ከምዝነበረን እንታይ ተራ ከምዝነበሮን ግን ምስ ኣተኻዮ ጥራይ እዩ ብዝግባእ ዝረኣየካ። ናይ ከተማ ቃልሲ ኣዝዩ ጽንኩር ኮይኑ፡ ዝተዓጻጸፈ ተወፋይነትን ብልሕን የድልዮ ነይሩ። እዚ መጽሓፍ'ዚ መጐስ፡ ክብሪን ኣፍልጦን ነቶም ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ዝተቓለሱ ማእለያ ዘይብሎም ውፉያት ክኸውን ተስፋ እገብር። ከም'ዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ምድላው ብመጠን'ቲ ጽንኩርነት ቃልሲ ከተማ እንክርአ ከቢድ እዩ። ብቐንዱ ንጹር ስእሊ ሰባትን ፍጻሜታትን ክርከብ ዓቢ ዓቐበት'ዩ። ዝበዝሕ ምንጪ ቃለ-መጠይቓት ናይ ሰባት ስለ ዝነበረ ካብ ቃላቶም ኣዋጺእካን ኣለቓቒብካን ዝንበብ ትሕዝቶ ምህናጽ ኣዝዩ ኣህላኺ፡ ብቐሊሉ ዕግበት ክርከቦ ዘይከኣልን ፈታኒን ስራሕ'ዩ። ዓቕሊ፡ ክእለት፡ ዓቕሚን እኹል ግዜን ምቹእ ሃዋህውን ረኺብካ ክስራሕ ዝግባእ'ዩ። ኩሉ'ዚ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋታት'ዩ ነይሩ ክብል ኣይክእልን። ግዳ እቲ ታሪኽ ኣገዳሲ፡ ኣዝዩ መሳጢ፡ ቢሮክራሲን ብጾቱን እቶም ነዚ ዛንታ'ዚ ክነግሩኒ ዝተቐረቡን ብጠቕላላ ማረኽቲ ሰባት፡ እጃሞም ኣብ'ቲ ቃልሲ ክኹላዕ ዝግባእ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ ኩሉ ጸገማት ተጻዊረ፡ ዘይግቡእ ንውሓት ግዜ ኣጥፊአ ስነይ ነኺሰ ዛዚመዮ።</p>
Piracy-free
Piracy-free
Assured Quality
Assured Quality
Secure Transactions
Secure Transactions
Delivery Options
Please enter pincode to check delivery time.
*COD & Shipping Charges may apply on certain items.
Review final details at checkout.
downArrow

Details


LOOKING TO PLACE A BULK ORDER?CLICK HERE