ዝብህጋ ትግራይ

About The Book

<p>ኣንቅዶ ፀሓፊ ተጋሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዘይ ምቁራፅ እንኸፍሎ ዘለና ረዚን መስዋእትነት ምእንተ ምንታይ እዚ ኩሉ? ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሰይ ምምልላስ ካብ ዘዘውትር እንተነኣሰ ዓማውቲ ኣሕሊፉ። ሕዝ'ውን ግን እቲ ሕቶ ኣብ ሕልናይ ደጊሙ ደጋጊሙ ስለዝመፅእ፤ ንምታይ እዚ ኩሉ መስዋእትነት? ካበይ ዝነቅል እዩ? ዓለምን ከባቢናን ስለዝፀልኡና ድዩ? ወይስ ጎረባብትና ሕሱማት ስለዝኾኑ? ወይስ ውሽጥና ዝተሓባእናሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፀገም እዩ? ነዞም ኣብ ላዕላይ ዘልዓልኩዎም ሕቶታት ንምምላስ እንትሓስብ እንተለኹ፤ ካብ ንደገ ምጥማት እቲ ነዚ ኩሉ መስዋእትነት ዘኽፍለና ዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጥና ምድላይ መሪፀ። ኣብዚ ፅሑፈይ ክንዲ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ኣተኲረ ክርእዮ ዝፈተንኩ፤ ማሕበራዊ ቅርፅና፣ ባህልና፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትናን ልምድናን እዩ። ክንዲ ዝከኣል እውን ካብ ኣብ ትማሊ ወይ ድማ ኣብ ታሪኽ ምትኳር ኣብ መፃኢ ህይወትና ዘመላኽትን ብውልቀይ ድማ ትግራይ ክትህነፀሉ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከርኢ ዘኽእል መልእኽቲ ኩሉ ትግራዋይ ክርዳኣኒ ይኽእል እዩ ኢለ ብዝኸኣልኩዎ መጠን ከሕልፍ ፈቲነ ኣለኹ። ትግራይ፤ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ህዝብታት ዝተፈለየ ፀገም ኣየጋጠማን። ልክዕ ነቶም ብዙሓት ብፈተና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለውን፣ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዓቕሚ ኣጥርዮም፣ ትካላት ሃኒፆምን ተቓሊሶምን ሃለዋቶም ዘረጋገፁ ጠንካራን ሕቡናትን ህዝብታት፤ ወይ ድማ መስዋእትነቶምን ተጋድሎታቶምን ንበለል እናሕለፉ ዝጠፍኡ ህዝብታት ናይ ምዃን ዕድል ዝገጠመን ሓንቲ እያ።</p>
Piracy-free
Piracy-free
Assured Quality
Assured Quality
Secure Transactions
Secure Transactions
Delivery Options
Please enter pincode to check delivery time.
*COD & Shipping Charges may apply on certain items.
Review final details at checkout.
downArrow

Details


LOOKING TO PLACE A BULK ORDER?CLICK HERE