ናብራ ስደት ብኸመይ ንብድሆ ፧

About The Book

<pre data-language=plain>መረበትካን ዓድኻን ገዲፍካ ናብ ስደት ከተምርሕ እቲ ዚኸበደ ዉሳነ ኣብ ህይወትካ ትዉስኖ ዉሳነ እዩ። ምስ ተሰደድካ መጀመሪያ ዘጋጥመካ ጭንቀት፡ ስንባደ፡ ምድንጋር ኢዩ! እቲ ዘጋጥመካ ተጽዕኖ ንኹሉ ነገር ሓደ ኢልካ ክትጅምሮ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ዚወሰድካዮ መእተዊ ዉሳነ' ዉን ልክዕ'ዶ እዩ ኔሩ ኢልካ ትጠራጠረሉ እዋን ዉን ኣሎ። ኩላትና በዚ መስርሕ ኢና ንሓልፍ! ዘይልመድ ከኣ ኣይኮነን። እዚኣ መጽሓፍ እንበኣር- ነቲ ዘሎ ጸገማት ስደት ትድህስስን ብኸመይ'ከ ነቶም ዘጋጥሙኻ ጸገማት ትምክቶምን ትብድሆምን ምኽሪ ትህብ እያ። ናተይ ተመክሮን ካብ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ኣብዛ መጽሓፍ ታሪኾም ንመምሃሪ ተባሂሉ ሰፊሩ ዘሎ ዝተረኽበ ምኽርታት ከኣ ሒዛ ኣላ። ኣብዛ መጽሓፍ ትረኽቦም ትሕዝቶ:-• ኣብዚ መስርሕ ንበይንኻ ኣይኮንካን• ኣብ መስርሕ ባህላዊ ዉህደት ነቶም ዘጋጥሙኻ ዕንቅፋታት ክትብድሆም ዝሕግዙካጥበባትን ብልሕታትን• ኣብቲ ዝኸበደካን ዝጸንከረካን እዋን ብኸመይ ኢካ ዘድልዩኻ ብልሕታት ተለልዮምንትፈጥሮምን ትጥቀመሎምን• ዓድኻን ዓውድኻን ከይረሳዕካ፣ ከመይ ጌርካ ኣብ ዓዲ ስደት ከም ወዲ ዓዲ ተወሃሂድካናብራኻ ተጣጥሕን ትመርሕን• ከመይ ጌርካ ዓቕምኻን ዓቕሚ ካልኦትን ተማዕብል• ባህላዊ ምዉህሃድ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከመይ ጌርካ ተማዕብልንኣብ ስደት ዘጋጥሙኻ ሽግራት ከ ብኸመይ ትምክቶን ተዓዊትካ ትወጽእን ዝብሉትሕዝቶታት ይርከቡ።</pre>
Piracy-free
Piracy-free
Assured Quality
Assured Quality
Secure Transactions
Secure Transactions
Delivery Options
Please enter pincode to check delivery time.
*COD & Shipping Charges may apply on certain items.
Review final details at checkout.
downArrow

Details


LOOKING TO PLACE A BULK ORDER?CLICK HERE