Mekete: መኸተ (ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ)

About The Book

ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 1998 ክሳዕ ሰነ 2000፡ ናጻ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዘረጋገጸቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ትርጉም ኣልቦ ንምግባር ዝተፈተነ ሰለስተ ገዚፍ ወራራት ስርዓት ወያነን ነዚ ወራራትዚ ኣብ ምፍሻል ደጊሙ ዝተመስከረ ጅግንነታዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ንምንጽብራቕ፡ እዛ መኸተ፡ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር ዘርእስታ ታሽዐይቲ ቅጺ ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ። ታሪኽ ወራር ወያነ ብግዜ ሓጺር ይዅን እምበር፡ ብዙሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ፍጻመታት ዝሓቘፈ እዩ። ብስነመጐት ሓይሊ፡ ዓመጽ ከንግስ ዘንቀደ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ዕንወትን ምምዝባልን ዘስዓበ ኲናት ድማዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓደገኛ ውጥን ፈሺሉ፡ እቲ ኲናት ዕላማኡ ከይወቕዐ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያት ኤርትራ፡ ተጋዳላይን ህዝቢን በርዒኑ ምትራፉ ድማ፡ ነቲ ብቕያታት ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተመልአ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝያዳ ርዝነት ክውኸሉ ክኢሉ እዩ። ኣብ መእተዊዚ ናይ መጽሓፍዚ፡ ዝምድና ሰውራ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ድማ ብፍላይ ብኸመይ መስርሕ ከም ዝሓለፈ፡ ነቲ ብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሩ ደሓን ኣንፈት ዝሓዘ ዝምድና ዘሐርፈፈ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ኲናት ዘዕረገ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊን ካልእን ምኽንያታት፡ ከምኡውን መስርሕ ናይቲ ኲናትን ጎድናዊ ሳዕቤናቱን ብሕጽር ዝበለ ተተሪኹ ኣሎ።
Piracy-free
Piracy-free
Assured Quality
Assured Quality
Secure Transactions
Secure Transactions
Delivery Options
Please enter pincode to check delivery time.
*COD & Shipping Charges may apply on certain items.
Review final details at checkout.
downArrow

Details


LOOKING TO PLACE A BULK ORDER?CLICK HERE