ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን-Tesfom & Habtom's Rivalry (Tigrinya Edition): ... መጽሓፍ-1st Book
Tigrinya


LOOKING TO PLACE A BULK ORDER?CLICK HERE

Piracy-free
Piracy-free
Assured Quality
Assured Quality
Secure Transactions
Secure Transactions
Fast Delivery
Fast Delivery
Sustainably Printed
Sustainably Printed
Delivery Options
Please enter pincode to check delivery time.
*COD & Shipping Charges may apply on certain items.
Review final details at checkout.

About The Book

ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምንእዚ ዛንታ ብዛዕባ ካብ 1952 ዓ ም ጀሚረን ክሳብ 1973 ኣብ ኣስመራ ን21 ዓመታት ዝቕመጣ ዝነበራ ክልተ ስድራ ቤታትዩ ዘዘንቱ። ተስፎምን ሃብቶምን ካብ ክልተ ጎረባብትን ደቂ ሓደ ዓዲን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ስለጠነን ባሻይ ጎይትኦምን ዝበሃሉ ወለዲ ዝተወለዱ እዮም። ከም ጎረባብቲ ብሓንሳብ ሓመድ እናቛሓሙን እናተጻወቱን፣ ኣብ ሓደ ቀጽሪ እዮም ዓብዮም። ከም ኩሎም ቆልዑ ኸኣ እናተመሓዘውን እናተጻልኡን፣ ሓንሳብ ፍትው ሓንሳብ ጽልእ እናተበሃሃሉ ዓበዩ።ኣብ ዕድመ ናይ ትምህርቲ ምስ በጽሑ ኸኣ፣ ብናይ ደረጃ መነባብሮ ፍልልያት ተስፎም ትምህርቱ ክቕጽል ከሎ፣ ሃብቶም ግን ንስድራ ቤቱ ክሕግዝ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብ ስራሕን ንግድን ዓለም ተዋፈረ። ክልቲኦም ሰብኡት ምስ ኮኑን፣ ተመርዕዮም ሓዳር መስሪቶም ኣብ ውላድ ምስ በጽሑን፣ እንደጌና ክራኸቡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸቡ።በዚ ምኽንያዚ ክቀራረቡ ምስ ጀመሩ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም መዕበያኦምን ጉርብትናኦምን፣ ፍቕሪ ወለዶም ተወሲኹዎ፣ ናብ ሽርክነትን ብልግና ምትሓሓዝን በቕዑ። ኣብቲ ሓድሽ ዝመስረትዎ ሓዳርን ናብራን ከኣ፣ ንሳቶም መሳርሕትን ጎረባብትን፣ ኣንስቶም መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ፣ መሓዙትን መማኸርቲን፣ ብተወሳኺ ደቆምውን መማህርትን መጻውትን ክኾኑ ኸኣሉ። እዚ ናይዘን ሓደስቲ ዝተመስረታ ክልተ ስድራ ቤት ጉርብትና፣ ነቲ ዝነበረ ርክብ ብዝያዳ ኣቀራረቦን ኣርጎዶን። በዚ ዕድልዚ ተጠቒሞም ከኣ፣ ቆልዑን ኣንስትን ኣዝዮም ፍሉይ ምቅርራብን ፍቕርን ክምስርቱ በቕዑ። ደቆምን ኣንስቶምን ጥራይ ዘይኮኑ ኣሕዋት ተስፎምን ሃብቶምን ኣርኣያን ደርማስንውን ከይተረፉ መሳርሕቶምን ሓገዝቶምን ክኾኑ በቕዑ። በዚ ኸኣ ዓበይቲ ወለዲ ተሓጎሱን ተሓበኑን።ከምዚሎም ብኹሉ ኹሉ እናተመሓየሹን እናሰሰኑን ክስጉሙ ጀመሩ። ከምዚ ኢሎም ካብ ዓወት ናብ ዓወት እናተሰጋገሩ ኸለው፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ስድራ ቤታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሞንጎ ተስፎምን ሃብቶምን ዘምስናይን ዘይምቅዳውን ክኽሰት ጀመረ። ብሰላምን ብቐሊሉን ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ግርጭት፣ ናብ ከቢድ ጽልእን ቂምታን ዓረገ።እዚ ባእስን ጽልእንዚ፣ ንኽልቲኡ ስድራ ቤታትን፣ ኣንስቶምን ቆልዑቶምን ኣናወጾም። እዚ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ዛንታዚ፣ ካብ ክልተ ዝተፈላለየ ጠባይን ባህርን ስምዒትን ድኽመትን ነቒሎም፣ ብጽልእን ቂምታን ድኽመትን ዓዊሮምን ተሰኒፎምን እቲ ሕምቀቶም ድኽመቶምን፣ ንኣኣቶምን ንሙሉእ ስድራ ቤቶምን ዘስዓበሎም ነውጽን፣ ዘኸተሎ ሓርጎጽጎጽን ክሳራን ሃስያን ዘዘንቱ ዛንታዩ።
downArrow

Details