ዘይተሰምዐ ስምዕታ (The Unheard Ultimatum) (Tigrinya Edition)
Tigrinya

About The Book

ጎደናታት ሰብ መሊኡ እንተዕለቅለቀ ሰብ ኣይተሳእነን ኣይትበሉ፡፡ ዝጠፍአ ሕልናታት ጸይራ ትትክዝ ዘላ መሬት ዓው ኢላ ንሓሶትኩም ክትምጉት ኣይትጸበይዋ፡፡ ኣየ መሬት ትረኽቦ? ዕድሚኦም ዓቢ ተግባራቶም ናይ ህጻውንቲ ፍጡራት ካብ ዓቅማ ወጻኢ ኮይኖማ፡፡ ተስፋኣ ካብ ብሕጂ ዝመጹ ሓደሽቲ ወለዶ ከይትገብር ድማ ካብ መን ዝተወልዱን ብመን ዝዓበዩን ደቂ እያ'ሞ ባህጋ ከተቐምጥ፡፡ ፍቅሪ ከይሃበ "ኣነ ፍቅሪ ዝግብኣኒ ኣይረኸብኩን" እናበለ ዘእዊ ሰብ፡ ዝበልዓላን ዝሸነላን መሬት 'መለሳ ልግሰይ ይደሊ ኣለኹ' ኢላቶ ከምዘይትፈልጥ'ባ እቶም ዝሓሽኩም እትበሃሉ ንገሩለይ! ካብ ዕሽነት ዝጸገቡን፡ ምቅሉልነት ዝጠመዩን ኣህዛብ ዝመልእዋ ከተማ'ሞ እንታይ ዝሰምር ሰናይ ከይህሉ'ዩ።"ኣብዛ ከተማ ካብ ንፋስ ቀውዕን ህቦብላ ሓጋይን ንላዕሊ፡ ዘራጊቶ ሕሜታ ዝያዳ ከምዝውንጨፍ፡ ተቀማጦኣ ብትሕቲ ልሳኖም ዝምስክርዎ ዝከፍኣ ሕፍረት ውሽጦም'ዩ፡፡ እዞም ኣህዛብ ካብ ዘርዕድ ሓቂ፡ ዝተመቃቀረ ንኣእዛኖም ይምችእ፡፡ ሕልንኦም ጌጋ ወረ ይሰንቅ ምህላዉ እናተሰቆሮም፡ ነቲ ገፈጥ-መፈጥ ቃላት ከም ትእዛዝ ኣባት-ነብሶም ጎሲሞሞ የስቅጡ፡፡ ዋላ'ኳ ሓደ፡ ነቲ ቅኑዕ መምዩ ከይስዕቦ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽድቂ ዝሰሓዎ መንገዲ ብምሓዞም፡ ነቲ ናቱ ጫሌዳ ርእዮም፡ "ርእስኻ የላን!" ከይብልዎ ይፈርሕ."በዚ ምፍልላይ'ዚ ዓይኑ ዝነቑሐን ኣእዛኑ ንወረ ዝገተረን መልሓሱ ኣህጢሩ ዝልፍልፍን ሰሰነ፡፡ ናይዚ ርድኢት'ዚ ግብረ መልሲ ድማ ናብ ገንዘብ ዝጓየ መንእሰይ፡ ፍልጠቱ ከዛይድ ዝህንደድ ምሁርን፡ ንሓላፍነት ክጎራፈጥ መሬት ዝመሰዮ ስሱዕን፡ ዝለመዶ ሃልይዎ ንደቁ ወጊድ ኢሉ ዝፋታሕ ወላድን፡ ውርሻ ንዝገድፈሉ ሰብ ስኢኑ ብዘይ ለበዋ ዝቕበር ኣረጊትን ምስ ምፍልላይ ኣላይን ሶቬትን ሓዊስካ ብዘይ ምግናን እዛ ከተማ ጨው ሰኣነት፡፡
Piracy-free
Piracy-free
Assured Quality
Assured Quality
Secure Transactions
Secure Transactions
Delivery Options
Please enter pincode to check delivery time.
*COD & Shipping Charges may apply on certain items.
Review final details at checkout.
downArrow

Details


LOOKING TO PLACE A BULK ORDER?CLICK HERE